Scouterna i Katrineholm - 

ስካውት ኣብ ካትሪነሆልም

ስካውት ግሩፕ(ጉጅለ) ኣብ ካትሪነሆልም ካትሪነሆልምኦር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ልዕሊ 200 ቆልዑን

መንእሰያትን ዓበይትን የጠቓልል። ካብ 8 ዓመት ንላዕሊ ወይ ከኣ ተመሃራይ ናይ ካልኣይ ክፍሊ ኣባል

ስካውት ክኸዉን ይኽእል እዩ ግን ልዕሊኡ ዕድመ ዘለዎ እውን ኣባል ስካውት ክኸዉን ይኽእል እዩ

ንኹሉ ዕድመ ክፉት እዩ።ንቖልዑን መንእሰያትን ስካውት ማለት፣ ማሕበራዊ ሂወት ዝምኮሩሉ ሓደሽቲ

ነገራት ዝመሃርሉ ማሕበር እዩ። እቶም ብዕድመ ዕብይ ዝበሉ ኸኣ ከም መራሕትን ኣለይትን ኮይኖም

ነቶም ንኣሽቱ መንእሰያትን ተኾስዂሶም ክዓብዩ ይሕግዙ ከምኡ ውን መታን ኩሉ ከምቲ ዝድለ ክሰርሕ

ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ይገብሩ።

ቦታና ኣብ ስካውትጎርደን ይበሃል ኣብ Stalls Backe ጥቓ Nyköpingsvägen ከኣ ይርከብ

ኩሉ ንጥፈታትና ኣብዚ ኢና ነካይዶ። ኣብ Forssjösjön ብምብራቓዊ Katrineholm እዉን ገዛ

ኣለና ከምኡ ውን ኣብ ካልእ ቦታታት እንዳተንቀሳቐስና ንጥፈታት ነካይድ ኢና።

ድሕሪኡ ኣብ Intresseanmälan (ከተመልክት ድሌት አንድሕር ኣለካ )ጠውቑ፣ ማለት ተገዲስኩምን ክትፍትንዎን አንድሕር ደሊኹም ንስካውት!

ቴለፎና ኣብ Kontakt ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም ።

 

ወይ ከኣ ብኢመይል ብሽወደን ወይከኣ ብእንግሊዝ ኣብ   Den här e-postadressen skyddas mot spambots. Du måste tillåta JavaScript för att se den.  ልኣኹልና።

 

 

amnesbild_om-scouterna

ስካውት ንቖልዑን መንእሰያትን ዝኹስኩስን ኣብ ሂወቶም ምስ ማሕበረሰብ ዓለም እንዳ

ተራኸቡ ተሞክሮ ከጥ ከምሰብ እዉን ዝዓብዩሉ ማሕበር እዩ።ኣብ ዓለም 40 ሚልዩን

ስካውት ኣለዉ። 70 ሽሕ ካብኦም ድማ ኣብ ሽወደን ይርከቡ።

ስካውት ንጥፈታቱ ብውሑዳት ጉጅለታት እዩ ዘሰላሰል፣ እታ ዘወሓደት ጉጅለ ፓትሮል

ትበሃል። ኣብዛ ፓትሮል ነፍስወከፍ ሰብ ሊሉ ተርኡ ከምኡ ውን በብመንገዱን

ብድልየቱን ድማ ይዋሳእ።

ኣብ ስካውት ብሰራሕ ኢኻ ትመሃር ብብድሆታት ከኣ ትዓብን ትምዕብልንኣብ ስካውት

ክትዓብን ሂወትካን ሂወት ካልኦትን ክትመርሕ ዕድል ይህብ።ባህሪ ገዛና እዩ ኣብ ሓድሽ

ከባቢ ብሓድሽ መንገዲ እንዳ ሰራሕና ንሂወትና ንብድሃ።ስካውት ንዝበለጸት ዓለምን

ንማዕርነትን ይቃለስ፣ ኣባላቱ ኣብቲ ዝነብርሉ ሕብረተሰብን ዓለምን ጸላዊ ተራ ክጻወቱ

የተባብዕ

ስካውት ንመንእሰያትን ብመንእሰያትን ይምራሕ ብሓገዝ ናይ ዓበይቲ ኸኣ ይድራዕ።

ንጥፈታትና ኣብ ክብርታት እዩ ዝሙርኮስ ንሱ ኸኣ ሕያዋይ ዓርኪ ሰብኣዊ ርህራሄ ዘለዎ

ሰብ ምዃን እዩ።

ስካው ንኹሎም ቆልዑን መንእሰያትን ብዘይ ኣፈላላይ መርሓባ ይብል